Skip to main content

እንቋዕ ናብ 

ዘመን ሓበሻ ብደሓን መጻእኩም!

ዘመን ሓበሻ ስም ጥራይ ኣይኮነን። ባህልና፣ ማሕበረሰብናን ዝምድናናን ዘራኽብ ናይ ሓባር መድረኽ እዩ። ኤርትራውያን ይኹን ኢትዮጵውያን ወይ ድማ ፍቕሪ ናይዚ ጽቡቕ ባህሊ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ፤ ዕላማና ፍቕርን ውርሻን ሃብታም ባህሊ ሓበሻ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ንከነንጸባረቕ ምግባር እዩ። 

ኣገልግሎት

ዓበይቲ

ኣገልግሎት ዓበይቲና፡ ውልቀሰባት ብብሕትን ብሞያን ክዓብዩ ዝሕግዙ ግብራውያን ስልጠናታት የቕርብ። ካብ ስምዒታዊ ብልሒ ጀሚሩ ክሳብ መሪሕነትን ክእለት ህይወትን ዝሓቖፉ መደባትና፡ ምሉእ ህይወት ንዝቕጽል ምምሃርን ዓወትን ንምድጋፍ ዝተቐረጹ እዮም

ቈልዑ

ኣገልግሎት ቈልዑና፡ ምምሃር መሳጥይን ትርጉም ዘለዎን ንክኸውን ዝተቐረጸ እዩ። ቈልዑ ፍልጠት፣ ፈጠራውነት፣ ተኣማንነትን መሰረታዊ ናይ ህይወት ክእለታትን ከማዕብሉ ዝሕግዙ ናይ ቋንቋ ትምህርትታት፣ ትምህርታዊ ፈተናታት  ከምኡ’ውን ካልኦት መስተጋብራውያን መደባት ነቕርብ

ዕዳጋ ሓበሻ

ዕዳጋ ሓበሻና፡ ናቱ ትሕዝቶ ዘለዎም ባህላዊ መግብታት ሓበሻ፣ ትምህርታዊ ፈተናታት (puzzles)፣ ባህላዊ ፍርያትን ንዕለት ተዕለት ዘድልዩ ኣገደስቲ ነገራትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስድራቤታት የቕርብ። እሙናት ፍርያት ንማሕበረሰብና ብቐሊሉ ተበጻሕቲ ብምግባር፡ ባህልናን መንነትናን ክዕቀብ ነበርክት።

ራዕይ

ምስ ኩነታት ኵናት፣ ድኽነት፣ ምክፍፋልን ምፍንቓልን ተኣሳሲሮም ዝመጹ ነባሪ ሳዕቤናት ብምስጋር፤ ብናይ ስምዒት ብልሒ ፣ ንጹር ኣተሓሳስባ፣ ናይ ምሉእ ህይወት መሃርነትን ሓባራዊ ብልጽግናን ኣቢሎም፡ ውልቀሰባት፣ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ዝሓወዩሉ፣ ዝሓበሩሉን ዝበልጸጉሉን ጥዑይ ማሕበረሰብ ሓበሻ ንምህናጽ


    ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክዓቢ፣ ኣበርክቶ ክገብርን ዝበለጸ መጻኢ ክሃንጽን ዕድል ዝረኽበሉ፤ ዝሓወየ፣ ዝሓበረን ዝበለጸገን ማሕበረሰብ ሓበሻ።

ዕማም

ዘመን ሓበሻ ብናይ ስምዒት ብልሒ፣ ንጹር ኣተሓሳስባ፣ ትምህርቲ፣ ግብራውያን ፍርያት፣ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታትን ማሕበረሰባዊ ምትሕግጋዝን ኣቢሉ ንማሕበረሰብ ሓበሻ የነቓቕሕን የዕጥቕን። ካብ ስደት (ዲያስፖራ) ብምብጋስ፤ ሰባት ክሓውዩ፣ ብንጹር ክሓስቡ፣ ብሓባር ክዓብዩ፣ ከምኡ’ውን ድልዱላት ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ክሃንጹ ንሕግዝ። መንነትናን ባህልናን ንምዕቃብ ብዝሕግዝ፣ ብካልእ ወገን ድማ ድሌታት ማሕበረሰብና ብዘማልእ መገዲ፤ ናይ ሓቀኛ ሓበሻ መግብታት፣ ባህላውያን ፍርያትን መሰረታውያን ናይ መዓልታዊ ሓገዝትን ነቕርብ። ብሓባር ኴንና ዝያዳ ጥዑይ፣ ድልዱልን ዝተኣሳሰረን መጻኢ ንሃንጽ ኣለና።

መሻርኽትና

ተጻወትን ተማሃሩን።

ተወሳኺ ርአ

ስምዒታዊ ብልሒ

ተወሳኺ ርአ

መጻኢኹም ባዕልኹም ወኒኑ፤ ምሳና ድማ ሓቢርኩም ህነጹዎ።

ዘመን ሓበሻ ብቐሊል ሓሳብ እዩ ጀሚሩ፦ ንባህሊ ሓበሻ ብፍልጠትን ብማሕበረሰብን ኣቢልካ ሃብታም ትሕዝትኡ ዝረኣየሉ ቦታ ምፍጣር። ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ዕዳጋ ተበጊሱ፤ ሎሚ ሓደ ዓቢ ዕላማ ሒዙ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ኣገልግሎታትን ተዘርጊሑ ይርከብ፤ ንሱ ድማ ንናይ ከባቢና መሃዝትን ነጋዶን ብምሕጋዝ፤ ውርሻና ንዓለም ምልላይ እዩ።